ንሕና መን ኢና? 

  • ንሕና ናጻ ምሓበር ተራድኦ ኮይና ኣብ ከተማ ግላስጎን ዳንድን ቤት ጽሕፈት ኣለና። ንሕና ንኣህዛብ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ኣብ ስኮትላንድ ሓበሬታን ምኽርን ንህብ።  ንዝበለጸ ኣገባብ ዑቕባ፡ ምዕባይ ንቕሓት ንስደተኛታት ኣብ ዝጸልዉዎም ጉዳያት ከምኡ`ውን ምስ ከባብያውያን ማሕበረሰባትን (communities) ዉድባትን ብምስራሕ ንጉስጉስ። ዑቕባ ሓቲትካ`ዶ? ኣብ ጉዳይ ዑቕባኻ ዉሳኔ ተቐቢልካ`ዶ? 

ኣብ`ዚ ኣለና ንሕግዝ። እንህቦ ኣገልግሎት ሓበሬታን ምኽርን ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ነዚ የጠቓልል፡  

  • ንዝምልከተካ መሰላት ድጋፍ ምርካብ። 
  • ገዛ ብኸመይ ትረክብ 
  • ከመይ ገይርካ ገንዘባዊ(financial) ድጋፍ ትሓትት 
  • ብኸመይን ኣበይን ትምህርቲ፡ ስልጠና፡ ወለንታዊ ክትረክብ ትኽእል, ብኸመይ ስራሕ ትረክብ 
  • ምርካብ ጥዕናዊ ክንክን ወይ ካልኦት ጉዳያት ኣብ ምርካብ ንድግፍ 

ኣስተውዕል፣ ቆጸራ ኣንተለካ ጥራይ ኢና ክንረኽበካ/ኪ እንኽእል ስልዚ ብኽብረታካ/ኪ መስመር-ሓገዝ ተሌፎና ደውል/ሊ ወይ ድማ ብ ቐጥታዊ ዝርርብ (live chat) ። ብዝተፈላለያ ቋንቋታት ብተለፎን ምኽሪ ክንልግስ ንኽእል ኢና ወይ ምስ ገለ ወሃብቲ ምኽሪ ኣባላትና ቆጸራ ሓዝ/ዚ። ናብ ቤት ጽሕፈትና ብዘይ ቆጸራ ኣንተመጺኹም ኣብታ ዝመጻኹማ መዓልቲ ዘይክንረኽበኩም ወይ ዘይክንሕግዘኩም ንኽእል ኢና።  ናይ ሓገዝ-መስመር ቴለፎን፡ 0808 196 7274 ናብዛ ቑጽሪ ኣብዘን ዝስዕባ ግዜ ክትድዉሉ ትኽእሉ፡ 

 

ከምኡ`ውን እንታይ 

  • ጎስጓስ ንናይ ሰባት መሰል 
  • ነተን ምስ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ዝሰርሓ ወይ ዝንቀሳቐሳ ዉድባት ምድጋፍ፣ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ማሕበር ስኮትላንዳውያን ድምጺንክህልውን ንሕግዞም። 
  • ዓመት ምሉእ, ምውህሃድ ምደባት ዝተፈላለዩ ስነ-ጥበባትን ባህልን ጽንብል ዓመታዊ ፈስቲቫል ስደተኛታት ስኮትላንድ የጠቓልል።  

VoiceOver Interpreting Service 

  • ምዕባይ ምስሊ (ገጻት) ዑቕባ 
  • ኣብ ስኮትላንድን ዓባይ ብርጣንያን ብናይ ርክባትና ስራሕ, እዚ ድማ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ኣብ መራኸቢታት ድምጺ ንክህልዎም ይድግፍ። 
  • ምስራዕ ፕሮግራማ ናይ ስልጠና መደባት ምስ ስደተኛታት ወይ ኣህዛብ ሓተቲ ዑቕባ ንዝሰርሑ ዉልቀሰባትን ዉድባትን ።